እዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ቅሉዕ ዝኾነ ናይ መምሃሪ ቦታ ንኽኸውን ዝተመደበ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝራኸብሉን ዝለዋወጡሉን ቦታ ኢዩ። እዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ተኸፊቱ፣ በቶም ውፉያት ኮይኖም ዝሰርሑ ሰባት ድማ ይካየድ። እቲ ዝርከበሉ ቦታ ድማ ብቐጥታ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና Josef-Haubrich-Hof ዝርከብ ህንጻ ናይቲ ማእከላዊ ቤተመጻሕፍቲ ኢዩ።
ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ብዝያዳ ዝራኸቡ ሰባት፡
- ቋንቋ ጀርመን ንኽመሃሩ ድልየት ዘለዎም ሰባት
- ዝተሓባበሩን ዝሕግዙን ውፉያት ተገደስቲን ካልኦት ተበግሶታት ዝወስዱ ጉጅለታትን
ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ብዝያዳ ዝራኸቡ ሰባት፡
- ናጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት (WLAN)
- ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ ነገራት
- ናይ ጉጅለን ውልቅን ናይ ስራሕ ቦታ
- ኮምፒተር፣ ከምኡ’ውን ናይ ሲዲ (CD) መስምዒ ተይፕ ወዘተ...
ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ዝዳሎ ቐረባት:
- ብብግዚኡ ዝዳሎ ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ መደባት
- ሓበሬታታት፣ ኣብ ናይ ገዛ ዕዮ ዝግበር ሓገዛት ከምኡ’ውን ምልውዋጥ
- ምስቲ ናይ ማእኸላዊ ቤተ መጻሕፍቲ ጽኑዕ ዝኾነ ርክባት ምግባር
ኣድራሻን ዝኽፈተሉ እዋንን
በብግዚኡ ዝዳለዉ መደባት
ሰኑይ ካብ ሰዓት 17.00 – 18.00 | Tandem Deutsch ምስ ሓደ ናይ ቋንቋ ብጻይካ በብኽልተ ኮይንካ ቋንቋ ጀርመን ምምሃር፡ ምዝርራብ፣ ምጽሓፍን ነንሕድሕድካ ምልላይን |
ሰሉስ ካብ ሰዓት 16.00 – 18.00 | Schreiben in Alltag und Beruf ደብዳቤታት ኣብ ምጽሓፍን ምልክታት ብጽሑፍ ኣብ እተቕርበሉ ግዜ ሓገዝ ምግባር |
ሰሉስ ካብ ሰዓት 18.00 – 19.30 | Deutsch Dialog ብሓባር ኮይንካ ምንባብ፣ ምጽሓፍን ምዝርራብን |
ሮቡዕ ካብ ሰዓት 17.00 - 18.00 | Gesprächskreis ምስ ሰባት ምርኻብን ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን |
ሓሙስ, ካብ ሰዓት 17.00 ስጋብ ሰዓት 18.00 | ጀርመን ኣብ ስራሕ: ክንክን, ሕክምና, ጥዕና |
ዓርቢ ካብ ሰዓት 17.00 - 18.00 | Gesprächskreis ምስ ሰባት ምርኻብን ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን |
ቀዳም ካብ ሰዓት 12.00 – 14.00 | Offene Deutschhilfe ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን፣ ሕቶታት ምምላስን፣ ኣብ መዓልታዊ ዘጋጥም ዅነታት ምርዳእን |
ጸብጻብ
ኣድራሻ፡
Telefon: 0221 / 221-23932
E-Mail an: sprachraum@stbib-koeln.de
Stadtbibliothek Köln
Koordination sprachraum
Sarah Dudek, Lektorat
Carolin Köhnen, Sachgebietsleitung 2. Etage