እዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታት ቅሉዕ ዝኾነ ናይ መምሃሪ ቦታ ንኽኸውን ዝተመደበ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ባህልታት ዝራኸብሉን ዝለዋወጡሉን ቦታ ኢዩ። እዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ተኸፊቱ፣ በቶም ውፉያት ኮይኖም ዝሰርሑ ሰባት ድማ ይካየድ። እቲ ዝርከበሉ ቦታ ድማ ብቐጥታ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና Josef-Haubrich-Hof ዝርከብ ህንጻ ናይቲ ማእከላዊ ቤተመጻሕፍቲ ኢዩ።

ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ብዝያዳ ዝራኸቡ ሰባት፡

  • ቋንቋ ጀርመን ንኽመሃሩ ድልየት ዘለዎም ሰባት
  • ዝተሓባበሩን ዝሕግዙን ውፉያት ተገደስቲን ካልኦት ተበግሶታት ዝወስዱ ጉጅለታትን

ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ብዝያዳ ዝራኸቡ ሰባት፡

  • ናጻ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት (WLAN)
  • ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ ነገራት
  • ናይ ጉጅለን ውልቅን ናይ ስራሕ ቦታ
  • ኮምፒተር፣ ከምኡ’ውን ናይ ሲዲ (CD) መስምዒ ተይፕ ወዘተ...

ኣብዚ ናይ ቋንቋ ክፍሊ ዝዳሎ ቐረባት:

  • ብብግዚኡ ዝዳሎ ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ዝሕግዙ መደባት
  • ሓበሬታታት፣ ኣብ ናይ ገዛ ዕዮ ዝግበር ሓገዛት ከምኡ’ውን ምልውዋጥ  
  • ምስቲ ናይ ማእኸላዊ ቤተ መጻሕፍቲ ጽኑዕ ዝኾነ ርክባት ምግባር

ኣድራሻን ዝኽፈተሉ እዋንን

© Stadt Köln

Josef-Haubrich-Hof 1a
50676 Köln

ሰኑይ ስጋብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 14.00 ስጋብ ሰዓት 18.00

ቀዳም ካብ ሰዓት 10.00 ስጋብ ሰዓት 15.00

በብግዚኡ ዝዳለዉ መደባት

 ሰኑይ ካብ ሰዓት 17.00 – 18.00

Tandem Deutsch

ምስ ሓደ ናይ ቋንቋ ብጻይካ በብኽልተ ኮይንካ ቋንቋ ጀርመን ምምሃር፡ ምዝርራብ፣ ምጽሓፍን ነንሕድሕድካ ምልላይን

ሰሉስ ካብ ሰዓት 16.00 – 18.00

Schreiben in Alltag und Beruf

ደብዳቤታት ኣብ ምጽሓፍን ምልክታት ብጽሑፍ ኣብ እተቕርበሉ ግዜ ሓገዝ ምግባር

ሰሉስ ካብ ሰዓት 18.00 – 19.30

Deutsch Dialog

ብሓባር ኮይንካ ምንባብ፣ ምጽሓፍን ምዝርራብን

ሮቡዕ ካብ ሰዓት 17.00 - 18.00

Gesprächskreis

ምስ ሰባት ምርኻብን ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን

ሓሙስ, ካብ ሰዓት 17.00 ስጋብ ሰዓት 18.00

ጀርመን ኣብ ስራሕ: ክንክን, ሕክምና, ጥዕና
ብሓባር ኮይንካ ጀርመን ኣብ ስራሕ ንኽትዛረብ ምልምማድ (ካብ B1)

ዓርቢ ካብ ሰዓት 17.00 - 18.00 

Gesprächskreis

ምስ ሰባት ምርኻብን ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን

ቀዳም ካብ ሰዓት 12.00 – 14.00

Offene Deutschhilfe

ቋንቋ ጀርመን ምምሃርን፣ ሕቶታት ምምላስን፣ ኣብ መዓልታዊ ዘጋጥም ዅነታት ምርዳእን

sprachraum - Regular Events
PDF, 180 kb

ጸብጻብ

ኣድራሻ፡

Stadtbibliothek Köln
Koordination sprachraum

Sarah Dudek, Lektorat
Carolin Köhnen, Sachgebietsleitung 2. Etage

Telefon: 0221 / 221-23932

E-Mail an: sprachraum@stbib-koeln.de